ናየ ኮቪዲ ሰርትፊኬት/ምስክር ወረቐት ስምልከት ሃበሬታ
1. ኮቪዲ ሰርተፊኬት/ምስክር ወረቐት አበይ የድልይ?
ካብ እለት 13/09/2021 ጀሚሩ አብ ዉሽቲ ኣብያተ-ምግቢ አብ መዘናጊይ ቦታት፣ መካነ አራዊት፣ ሙዘየም፣ መሃንበሲ ቦታት፣ አብ ዉሽቲ ድዳሎ ፕሮግራማት ብምልኦም ነይ ኮቪድ ሰርተፊኬት ካብ እድመ 16 ጀሚሩ ክህተት ግድን እዩ።
ሰርትፊኬት ከም ካርድ መረጋገጺ
ክልተ ጊዜ ናይ ኮሮና ቫየረስ ከምተከተብኪ /ከምተከትብካ
ካብ ሕማም ድሓውዩ (እዚ ማለት እንደገና ጥዑያት ምኮኖም ቅድሚኡ ምስ ኮሮናቫይስ እተተሓሓዘ ሕማም ብናይ ፒ. ሲ. ኣር. መርመራ ኣለዎ ብወግዒ ኺረጋገጽ እዩ)
ወይ እንተ ተመርሚርካ/ኪ (እዚ ማለት ኮሮና ምርመራ ወሲድካ ኔግቲፍ
ድብል ካብ 72 ሰአት ዘይነዉህ (PCR test)/ 48h (ቕልጡፍ ጸረ-ጀን ምርመራ የድልይ) ።
ኣብ ግዳም ኣብ ዚርከብ ኣብያተ-ምግቢ ምስክር ወረቐት ኣየድልን እዩ።
2. ወረቐት ምስክር ብኸመይ ክረክብ እኽእል?
እቲ ምስክር ወረቐት ድህሪ 2አይ ክትባት ወይ ድሕሪ ኔጋቲቭ ወይ ድሕሪኻ ሕማም ምስክር ወረቐት ምቅባል ይከአል እዩ ። እዚ ብኡንብኡ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ማእከል መርምራ ምህታት ይከአል እዩ (ነጥቢ 7 ርአ/ኢ) ።
3. እቲ ወረቐት ምስክር ብኸመይ እዩ ዚረጋገጽ?
እቲ ምስክር ወረቐት በቲ «COVID Certificate Check»-App ዚብል ኣፕሊኬሽን ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። እቲ ሰብ ስምካን ዕለት ልደትካን ይርኢ ስእሊ መንነት ካርድ ዝለዎ (ID ስዊስፓስ ወዘተ) የድልይ። ናይ ጥዕና ሓበሬታ ኣይርአን እዩ ። ክትምርምር ከለኻ ምስክር ወረቐት ሓበሬታኻ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ እቲ ቦታ ኣይኽዘንን እዩ።
4. ኣበይን ብኸመይን እየ ኽምርመር ዝኽእል ?
ካብ 11.10.2021 ኣትሒዙ ናይ ኮቪድ ምልክታት እንተ ዘይብልካ ኵሉ ናይ ኮቪድ ፈተናታት ክኽሰስ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ትሕቲ www.gsi.be.ch ኣብ ትሕቲ ኣርእስትታት Themen Coronavirus Testen ‚ኣበይ እየ ኽረክብ ዝኽእል ምርመራ ኮቪድ-19?‘ ደገፍ እንተ ኣልዩካ/ኪ ነቲ ፈተና ምውዳብ ወይ ምድጋፍ ሰልዲ ነቲ ኣብ ትሕቲ ነጥቢ 7 ዘሎ ኣድራሻታት ሕተቶ/ቲ ። ኣብ ስዊዘርላንድ ቅኑዕ ወረቓቕቲ እንተ ዘይብልካ ኣብ ትሕቲ ነጥቢ 7 ምስ ዚርከብ ኣድራሻ ተራኸብ/ተራኸቢ ኣብኡ ኸኣ ብኸመይ ክትፍተን ከም እትኽእል/ሊ ክግለጸልኩም እዩ ።
5. ኣበይን ብኸመይን እየ ክክተብ ዝኽእል?
be.vacme.ch ወብ ሳይት ኣቢልካ ብርእስኻ ነቲ ክክተብ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታኻ
ብምስጢር ኪተሓዙ እዮም። ምስቲ ኣብ ትሕቲ ነጥቢ 7 ዘሎ ኣድራሻታት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፣ ንሳቶም እውን ኪድግፉኻ እዮም ሕቶታትን ምጥርጣራትን እንተ ኣጋጢሙ ምዝገባ
6. ሕቶታትን ስግኣትን ደገፍን ንምርካብ ኣበይ ክድውል እኽእል?
ገለ ሕቶታት ወይ ምጥርጣራት እንተ ኣልዩካ/ኪ ምስ ማእከል ምኽሪ ተራኸብ/ቢ፣ ኵሉ ሓበሬታትካ/ኪ ብኽኢላን ክትሃዝ እዩ። ብምስጢር ድማ ይሕዙ።
Solidaritätsnetz Bern, 031 991 39 29 (ሰኑይ፣ ሮቡእ ፣ ሃሙስ ካብ ሰአት 9-12 ከም እውን ካብ ሰአት 14-17)
ብደይ ቆጸራ: ሰሉስ ካብ ሰአት 14-17, ሃሙስ 9-11h30, Schwarztorstrasse 76, 3007 Bern
Beratungsstelle für Sans-Papiers, 031 382 00 15 (ሰኑይ ካብ ሰአት 14-16)
ብደይ ቆጸራ: አርቢ ካብ ሰአት 3-7 (ብደይ ቆጸራ:), Effingerstrasse 35, 3008 Bern, 5. ደርቢ
7.ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ
Informationen zur Covid-19-Impfung | BAG (bag-coronavirus.ch) ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዚርከብ ሓበሬታ
ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ: +41 58 463 00 00, መአልታዊ ካብ ሰአት 6-23
ሓበሬታ ኮቪድ ክትባት: +41 800 88 66 44, መአልታዊ ካብ ሰአት 6-23